ሓይሊ ፍቕሪ


ኣብታ ምሸት'ቲኣ ገዛ ምስ ኣተኹ፡ በዓልቲ ቤተይ ንዝቐረበቶ ድራር እናተመገብና ብኢዳ ሒዘ "ሓደ ክነግረኪ ዝደለኹ ነገር ኣለኒ" በልክዋ። ብህድኣት ኣብ ኣፋ ንዘእተወቶ ኩላሶ እናሓየኸት ዓይኒ ዓይነይ ጠመተትኒ። ስዒቡ ንዝመጽእ ኣብ ልዕሊኣ ዝወርድ ጉድኣት ካብ ዓይና ከንብቦ ኣይጸገመንን። ሃንደበት ኣፈይ ብኸመይ ከምዝኸፍቶ ጠፍኣኒ። እንታይ ይሓስብ ከም ዝነበርኩ ግን ከፍልጣ ነይሩኒ።
"ክንፋታሕ ደልየ ኣለኹ።" ቀስ ኢለ እቲ ኣርእስቲ ኣልዓልክዎ። ብቃላተይ ክትንድር ኣይረኣኽዋን። ኣብ ክንድኡ ህድእ ኢላ 'ስለምንታይ' በለትኒ።
ንሕቶኣ ጎስየዮ ክሓልፍ ፈተንኩ። እዚ ከኣ ንዓኣ ኣሕረቓ። ሒዛቶ ንዝነበረት መግቢ ብምድርባይ ኣብ ልዕለይ ኣጉባዕብዐት። "ንስኻ ሰብኣይ ኣይኮንካን!"
ኣብታ ምሸት ነንሕድሕድና ኣይተዘራረብናን።ኣብ ዓሚቕ ሓሳብ ጥሒላ ነይራ። ኣብ መንጎ ሓዳርና እንታይ ከምዘጋጠመ የሕስባ ምንባሩ ይፈልጥ ነይረ። ግን ንሕቶኣ ከዐግብ ዝኽእል መልሲ ኣይነበረንን። ንበዓልቲ ቤተይ ክተፍቅር ትኽእል ልቢ ኣይነበረትንን። ናብ ጄን ሸፊታ ነይራ። የዕሽዋ ጥራይ እየ ነይረ።
ምስ ዓሚቕ ፍርሐይ ንፍትሕና ይሕግዝ'ዩ ዝበልክዎ ነጥብታት ጸሓፍኩ። ምሉእ ዋንነት ገዛ፡ መኪናን 30% ናይ'ቲ ትካልን ንዓኣ ክህባ ምዃነይ ዝገልጽ ሓሳባት ዝሓዘ ወረቐት ኣረከብክዋ። ሓደ ግዜ ብምርኣይ ነቲ ወረቐት ቀዳዲዳ ደርበየቶ። እታ ን 10 ዓመታት ሂወታ ምሳይ ዘሕለፈት ሰበይቲ ኩሉ ነገራ ሓደሰኒ። ግዚኣ፡ ጉልበታን ጸዓታን ስለ ዘጥፈኣኹላ ኣመና ኣሕዘነኒ። ግን እታ ንጄን ከም ዘፍቅራ ዝገለጽኩላ ቃል ክመልሳ ይኽእል ኣይነበርኩን።
መወዳእትኡስ ዓው ኢላ ኣብ ቅድመይ ተነኽነኸት። ብኽያታ ነዓይ ሩፍታ'ዩ ነይሩ።እቲ ንሰሙናት ኣብ ውሽጠይ ዓቚረዮ ዝነበርኩ ናይ ፍትሕ ውጥን ጋህዲ ስለ ዝገበርክዎ ብመጠኑ ቅሳነት ይስመዓኒ ነይሩ።
ኣብታ ዝቐጸለት መዓልቲ ደንጉየ ገዛ ብዝኣተኹ ኣብ ጣውላ ተደፊኣ ክትጽሕፍ ረኸብክዋ።ብዙሕ ኣይተገደስኩላን። ናብ ዓራተይ ብምሕላፍ ቀልጢፈ ደቀስኩ። ኣብታ መዓልቲ ምስ ጄን ምሉእ ግዜይ ደስታ ዝነበሮ ሂወት ስለዘሕለፍኩ ድኻም ተሰሚዑኒ ኔሩ። ምስ ተበራበርኩ ክሳብ ሽዑ ትጽሕፍ ምምባራ'ኳ እንተረኣኽዋ እንደገና ኣንሶላይ ተጎልቢበ ደኣ ደቀስኩ።
ምስ ወግሐ ብወገና ዘቕረበቶም ናይ ፍትሕ ነጥብታት ኣረከበትኒ።ካባይ ትደልዮ ዝኾነ ነገር ኣይነበራን። ንሓደ ወርሒ ምስኣ ክጸንሕ ጥራይ ኣተሓሳሰበትኒ። ኣብ ውሽጢ'ዛ ወርሒ ከም ቀደምና ዋላ ሓደ ነገር ከም ዘየጋጠመ ኮይንና ክንከይድ ክንፍትን ተላበወትኒ። ዘቕረበቶ ምኽንያት ንምርድኡ ቀሊል'ዩ ነይሩ። ሓደ ወድና ኣብታ ወርሒ ኣብ 'ናይ ትምህርቲ ፈተና' ተጸሚዱ ስለ ዝነበረ፡ ብዝተሰብረ ጉዳይ ሓዳርና ክርበሽ ስለ ዘይደለየቶ'ዩ።
ነዚ ተሰማሚዐሉ'የ። ካልእ ሕቶ ግን ነይርዋ።ኣብ ግዜ መርዓና፡ ከም ናብቲ ናይ መርዓውቲ ክፍሊ ብኣእዳወይ ሓቚፈያ ዝኸድኩ ኣብ ውሽጢ'ዛ ወርሒ ክደግመላ። ካብ መደቀሲ ክፍሊ ናብ ማዕጾ ገዛና ኣብ ኣእዳወይ ተሰኪመ ከብጽሓ ዝብል'ዩ ነይሩ።
"ተጸሊላ ድያ? " ኢለ ሓሰብኩ። ነተን ንፈላለየለን መወዳእታ መዓልታት ብሰላም ንምውዳእ ጥራይ ንጠለባታ ተቐበልክዎ።
ብዛዕባ ጠለባት ፍትሕ በዓልቲ ቤተይ ንጄን ነገርክዋ። ዓው ኢላ ሰሓቐት።
"ዘቕረበት ሓሳብ ተቕርብ፡ ንፍትሕ ፈትያ ከይፈተወት ክትገጥሞ ኣለዋ" ትዕንን ኢላ መለሰትለይ።
ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ድሕሪ'ታ ንፍትሕ ጠለብ ዘቕረብኩላ ምሸት ዝኾነ ኣካላዊ ምትንኻፍ ኣይገበርናን።ኣብታ መጀመርታ ተሰኪመያ ዝወጻእኩላ መዓልቲ ክልቴና ኣብ ስቕታ ጥሒልና ነይርና።
ወድና ብድሕሪት መጺኡ "ዳዲ ንማሚ ኣብ ኣእዳዉ ሓቊፉ ተሸኪምዋ" እናበለ ዘለለ። ቃላቱ ገለ ናይ ቃንዛ ስምዒት ፈጠረለይ። ንዓሰርተ ሜትሮ ዝኸውን ተሰኪመያ ተጓዓዝኩ። ኣዒንታ ብምኽዳን "በጃኻ ብዛዕባ'ዚ ፍትሕ ንወድና ከይትነግሮ" በለትኒ። ካብቲ ማዕጾ ኣውጺአ ኣውረድክዋ። ንሳ ናብ ስርሓ እተብጽሓ ኣውተቡስ ክትጽበ ነይርዋ። ኣነ ግን መኪናይ ትሰቒለ ናብ ስርሐይ ከድኩ።
ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ነቲ ጉዳይ ብቐሊሉ ንምፍጻም ኣይተሸገርናን። ንሳ ኣብ ደረት ኣፍ ልበይ ደቂሳ ኔራ። ነቲ ካብ ካምቻኣ ዝመጽእ ዝነበረ ምኡዝ ሽታ ይጨንዎ ነይረ። ንነዊሕ እዋን ኣብ ልዕሊ'ዛ ሰበይቲ ዝነበረኒ ኣቓልቦ ከምዝበተኽኩ ተረደኣኒ። ደጊም መንእሰይ ከምዘይኮነት ኣብ ገጻ ዝነበሩ ዕጥርጣራት ምስክር እዮም ነይሮም። ጸጉራ ውን ሕብሩ ቀይሩ ኔሩ። ነዚ ዘላቶ ኩነታት ሓዳርና ናይ ገዛእ ርእሱ እጃም ከምዝተጻወተ ኣይሰሓትኩን። ንሓደ ደቒቕ ዝኸውን ኣብ ልዕሊኣ ዝፍጽሞ ዝነበርኩ ነገር ኣተሓሳሰበኒ።
ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ተሰኪመያ እናኸድኩ ናይ ምምላስ ስምዒታት ክቀላቐሉኒ ጀመሩ። "እዚኣ'ኮ እታ ን 10 ዓመታት ናይ ሂወታ ከይበቐቐት ዝሃበትኒ ሰበይቲ እያ!"
ኣብ ሓምሻይን ሻድሻይን መዓልቲ ቅርርብና ኣናልዓለ ይኸይድ ምምባሩ ይርደኣኒ ነይሩ። ብዛዕባ'ዚ ንጄን ኣይነገርክዋን። መዓልታት እናሓለፈ ምስከደ፡ ምስካማ ዝያዳ ኣናቐለለይ ከደ። እቲ ቀጻሊ ምስካም ሓይሊ ሂቡኒ ኔሩ መስለኒ።
ሓደ ንግሆ እንታይ ከም እትኽደን ኣብ ምምራጽ ነበረት። ኣብ ኣርማድዮ ዝነበረ ክዳውንታ ሓሓሊፋ'ኳ እንተፈተነቶ ማዕቀና ዝኸውን ግን ክትረክብ ኣይከኣለትን። ናባይ ብምጥማት ፍሽኽታ ሓዊሳ "ኩሉ ክዳውንተይ ዓብዩኒ።" በለትኒ። ሃንደበት ሓደ ነገር ተረድኣኒ። ለካ ንክስከማ ቀሊልለይ ዝነበረ ምኽንያት ነብሳ ተወዲኡ ስለ ዝነበረ'ዩ። እዚ ኩነታት ልበይ ወግኣኒ። ንሳ ብዙሕ ቃንዛን ስቓይን ኣብ ልባ ቀቢራ ነይራ።ከይተረደኣኒ ናብ ቅድሚኣ ብምቕራብ ኣብ ግምባራ ሰዓምክዋ። ኣብታ ግዜ'ቲኣ ወድና ተሓወሰና። "ዳዲ ንማሚ ተሰኪምካያ እትወጽኣሉ ሰዓት ኣኺሉ።" ከዘኻኽረኒ ፈተነ።
ንዕኡ፡ ኣቦኡ ንኣደኡ ኣብ ኣእዳዉ ሓቚፍዋ ክኸይድ ምርኣይ ድሮ ኣገዳሲ ክፋል ናይ ሂወቱ ኮይኑ ኔሩ። በዓልቲ ቤተይ ንወድና ብምጽዋዕ ኣጥቢቑ ከም ዝሓቑፈና ገበረቶ። ኣብ መወዳእታ ሓሳበይ ከይቅይር ስለ ዝፈራህኩ ገጸይ ብሓይሊ ጠወኹ። ኣብ ኣእዳወይ ሓቚፈያ ናብ ማዕጾ ኣቕናዕኹ። ኣእዳዋ ኣፍኲሰን ንክሳደይ ሓኒቐንአን ኔረን። ኣነ ውን ኣጥቢቐ ሓቖፍክዋ። እታ ህሞት ልክዕ ከም 'ታ ዝተመርዓናላ ምሸት ነበረት። ፈኲስ ሚዛን ሰብነታ ከምቀደሙ ስለ ዘይነበረ ግን ሓዚነ ነበርኩ።
መወዳእታ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ኣተወት። ኣብታ ንግሆ ተሰኪመያ ዋላ ንሓንቲ ስጉምቲ'ውን ምንቅስቓስ ሰኣንኩ። ወድና ቤት ትምህርቲ ከይዱ ኔሩ። ኣጥቢቐ ብምሕቛፍ ሂወትና ማዕረ ክንድዚ ሓድሕድ ምጥምማት ይጎድሎ ምምባሩ የስተውዕለሉ ከምዘይነበርኩ ነገርክዋ።
ናብ ቤት ጽሕፈተይ፥ መኪናይ ብናህሪ እናዘወርኩ ከድኩ። ዝኾነ ምድንጓይ ነቲ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ዝቕይረለይ ይመስለኒ ነበረ። ማዕጾ መኪና ከየግጥምኩ ብታህዋኽ ብምውራድ በቲ ኣስካላ ንላዕሊ ግገጸይ ጎየኹ። ማዕጾ ምስ ከፈተትኒ "ይቕሬታ ጄን ምስ ብዓልቲ ቤተይ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ፍትሕ ኣቋሪጸዮ ኣለኹ።" ዕትብ ኢለ ነገርክዋ።
ዓይኒ ዓይነይ እናጠመተት የማናይ ኢዳ ኣብ ግምባረይ ብምዕላብ፥ 'ረስኒ ኣለካ ድዩ?" በለትኒ። ንኢዳ ካብ ገጸይ ብምእላይ "ጄን ምስ በዓልቲ ቤተይ ክፋታሕ ከም ዘይደሊ ይነግረኪ ኣለኹ። ሓዳርና ኣሰልቻዊ ዝመስለና ዝነበረ፡ ኣነን ንሳንትርጉም ሂወት ብግቡእ ካብ ዘይምርዳእ ዋጋ ንህቦ ስለ ዘይነበርና እምበር ፍቕሪ ስለዝጎደለና ኣይነበረን። እዚ ኩሉ ኣብ ውሽጢ'ዛ ተሰኪመያ ዝተጓዓዝክዋ ወርሒ በሪሁለይ'ዩ። ክሳብ ሞት ዝፈላልየና ከኣ ምስካማ ኣይከቋርጾን'የ።"
ጄን ሃንደበት ዝተበራበረት መሰለት። ተሪር ጽፍዒት ኣብ ገጸይ ኣዕለበትለይ። ብሓይሊ ማዕጾ ገም ኣቢላ ብምዕጻው ኣብ ውሽጢ ኮይና ትበኪ ኔራ። ንታሕቲ ብጉያ ብምውራድ መኪናይ ተሰቒለ ናብ ሓደ ዕምባባታት ዝሽየጠሉ ድኳን ኣተኹ። ንበዓልቲ ቤተይ ዝኸውን ዕምባባ ንምግዛእ።
ዋና'ቲ ድኳን ኣብ'ታ ካርተሊና እንታይ ኢላ ክትጽሕፈለይ ከምዝደሊ ተወከሰትኒ። "ሞት ክሳብ ዝፈላልየና ኩሉ ግዜ ንግሆ ንግሆ ክስከመኪ'የ" ክምስ ብምባል ነገርክዋ።
ኣብታ ምሸት እቲኣ ዕምባባ ኣብ ኢደይ ሒዘ፡ ክምስታ ኣብ ገጸይ እናተነበ፡ ብጉያ ኣስካላ ብምድያብ ማዕጾ ገዛና ከፈትኩ። ብዓልቲ ቤተይ ኣብ ዓራት ሞይታ ረኸብክዋ። በዓልቲ ቤተይ ንኣዋርሕ ብመንሽሮ እያ ትሳቐ ኔራ። ኣነ ከኣ ምስ ጄን ክዓብድ ኣየቕለብኩላን። ኣብ ቀረባ ግዜ ክትመውት ምዃና ትፈልጥ ኔራ። ካብ ኣሉታዊ ኣጠማምታ ወደይ ክተድሕነኒ ስለ ዝደለየት'ያ ነቲ ናይ ፍትሕ መዓልታት ኣናዊሓቶ። ብውሑዱ ኣብ ዓይኒ ወደይ ከም ሓደ ፈቃር ኣቦ ከም ዝፍለጥ ገይራትኒ።
ኣብ ዝምድና ኣዝዮም ንእሽቱ ዝመስሉና ግን ከኣ ኣብ ሂወትና ዓቢ ጽልዋ ዘለዎም ብዙሕ ኣድህቦ ዘይንገብረሎም ነገራት ኣለዉ። ሃብቲ፡ ገንዘብ፡ መኪና ንብረት ኩሎም ናይ ሓጎስ ሃዋሁ ክፍጥሩልና ይኽእሉ። ገዛእ ርእሶም ግን ሓጎስ ኣይኮኑን። ዓርኪ ወይ መሓዛ ብዓልቲ ቤትካ ንምዃን ግዜ ይሃልኻ።
 ነዛ ዛንታ እንተዘይኣካፊልካያ ( share እንተዘይበልካያ) ዘጋጥመካ ነገር የለን። ንካልኦት እንተኣካፊልካያ ግን ምናልባት ነቶም ናብ ተስፋ ምቑራጽ እምብዛ ቀሪቦም ዘለዉ ሰብ ሓዳር፡ ናብ ዓወት ማዕረ ክንደይ ቀሪቦም ከምዘለዉ ተረዲኦም፡ ኣብ ምድሓን ሓዳሮም እጃሞም ከምዘበርክቱ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

 ሙሉጌታ ዕባይ ባጽዕ

I BUILT MY SITE FOR FREE USING