ደብዳቤ ፍቕሪ image

                                              ወረ ሰብ ሰሚዒኪ

 ሰምሃረይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህርመታ ሰምኪ ተድምጽ ልበይ ብናፍቖትኪ ተሓሚሳ ከም ዘላ ከዛኻኽረኪ ይደሊ።ንህይወትና ዘመቅራ ኣብ ጽኑዕ እምነት ዝተመስረተ ፍቅሪ ጥራይ ሙኻኑ ትማሊ ባዕልኺ ዝመሃርክኒ ሓቂ'ዩ ነይሩ።ኣብ ሎሚ በጺሒኪ ነዚ ሓቂ ክትሕሰምዮ ምውሳንኪ  ከይገረመኒ ኣይተረፈን ሰምሃረይ ቅንዕናይ ንኸፍልጠኪ ግዜን ዓቕልን ከም ዘድልየኒ ኣይስሓትኩን ።ኣብተን ናይ መወዳእታ ብተሎፎን ዝተረኸብናለን ግዝያት እቲ ኹነታት ንኸረድአኪ ጸር ጸር ከም ዝበልኩ ኣይክሕድን'የ ።እዚ ግን ኣበረይ ንምሽፋን ዘይኮነ  በቲ ኩነታት ተገሪመን ሰንቢደን ዝተዛረብክዎ'ዩ ነይሩ። ሰምሃረይ ብኣካል ኮነ ብተሌፎን ካብ ዘይንራኸብ ክልተ ስሙን ጌርና ኣለና ።ውሽጠይ ፈጺሙ ቅሳነት ዝበሃል ኣይረኸበን ዘሎ።ሓደ ኣካል ኴንና ንህይወት ክንነብራ ቃል ከምዘይኣተናን መደባት ከምዘይሰራዕናን ብዘይ ቡቑዕ ምኽንያት ፋሕ ብትን ክኣትወና ጽቡቕ ኣይኮነን።ኢቲ ሓቂ ንምፍላጥ ኢሂን ምሂን ንምባል መንገዲ ክትከፍቲ ይግባእ። ሰምሃረይ ማዕረ'ቲ ዝኣምነኪ ስለዘይኣመንክኒ ሕርኽርኽ  ዝብለኒ'ኳ እንተ ኾነ ።ከም ሰብ ብዘይ እምነት ዝህነጽ ፍቕሪ ከምዘየለ ከዛኻኽረኪ ይፈቱ።እንተ ዘይኮይኑ በብዝመጸኪ ውረ ንፋስ ተጸሊኺ ትጉዓዝን እምነትኪ ትቕይርን ትውስንን እንተዄንኪ ብዘይካኺ ዝህሰ ሰብ የለንም ሰምሃረይ ኩሉ ሰብ ጸይርልኪ ዝመጽእ ዕላል ሓቂ'ዩ ኢልኪ ኣብ ምውሳን ኣይብጻሕን'ዩ።ኣቐዲምኪ ክተለልዮን ክትበጽሕዮን ዝግብኣኪ ሓቂ ኣሎ።ስለዝሰማዕኪ ጥራይ ልዕለይ ንሞሓዙትኪ ኣሚንኪ ፍቕርና ፋሕ ኣይተብልዮ። ነገራት ህድእ ኢልኪ ክትዕዘብዮ እንተ ኺኢልኪ ትኸስብሎም'ምበር ፣:ኣይትኸስርን ኢኺ።እቲ ሓቂ ኣየናይ ሙኻኑ ክትፈልጢ ውን ኣይትጽገምን ።




I BUILT MY SITE FOR FREE USING