እቲ መነኩሴን ፋይተትን


 ደራሲ - ፓውሎ ኮልዮ

 ሓደ መነኩሴ ኣብ ቀጽሪ ቤት-መቕደስ ይነብር ነበረ'ሞ፣  ብኣንጻር ስግሩ  ዚነበረት ገዛ ከኣ ሓንቲ ኣመዝራ ትቕመጥ ነበረት። እቲ መነኩሴ ነዛ ኣመንዝራ ብዝሒ ቁጽሪ ደቂተባዕትዮ ክበጽሕዋ ወይ ክኣትውዋ ይምልክት'ሞ ክዛረባ ይውስን። “ንስኺ ሓጣተኛ ኢኺ!” በላ ትርር ኢሉ። 'ንስኺ ኩሉ መዓልትን ለይትን ኣብ ልዕሊ ፈጣሪ ክብረት ከም ዘይብልኪ'ኺ ትገልጺ ዘለኺ። ድሕሪ ሞትኪ እንታይ ከም ዘጋጥመኪ ሓሲብክሉ ትፈልጢዶ፧' እዛ ምስክነይቲ ሰበይቲ ብዘረባ መነኩሴ ኣዝያ ርዓደትን ተሸምቀቐትን። ብሓቂ ተጣዒሳ ናብ ፈጣሪ ብምጽላይ፡ ይቅረ ክብለላ ለመነት። ነቲ ኩሉ ዝክኣሎ ኣብ መነባብሮኣ ካልእ እቶትን ኣማራጽን እትረኽበሉ ባይታ ክፈጥረላ ሓተተት። ይኹን'ምበር ካልእ ስራሕ ክትረክብ ኣይክኣለትን። ንሰሙናት ብጥሜት ድሕሪ ምኻዳ፡ እንደገና ናብ ምንዝርና ተመልሰት። ነፍስወከፍ እዋን፡ ነብሳ ንዝኾነ ጋሻ እናሃበት፡ ፈጣሪ ይቕረ ክብለላ ትጽሊ ነበረት።

እቲ መነኩሴ በዚ ኩነታት ተቆጥዐ። ምኽሩን ተግሳጹን ከም ዘይጸለዋ ምስ ነብሱ ሓሰበ። “ካብ ሕጂ ንድሓር፡ ብዝሒ ደቂተባዕትዮ ናብ ገዝኣ ዝኣትዉ፡ ክሳብ'ዛ ሓጣተኛ ትመውት ክቆጽር'የ። ካብዚ ኩነታት ንድሓር ዝኾነ ነገር ኣይገብርን። ነገር ግን ናብታ ኣመንዝራ ገዛ ዝወጹን ዝኣትዉን ብምርኣይን ብምቕጻርን፡ ንነብሰወከፍ ንውሽጢ ገዝኣ ዝኣተወ ጋሻ እምኒ እናወሰኸ ብጎኑ ኩምራ እምኒ ኮመረ። ድሕሪ ቅሩብ ግዜ እቲ መነኩሴ ነታ ኣመንዝራ እንደገና ከምዚ ክብል ተዛረባ....“ትርእዮ ኣለኺ እዚ ኩምራ እምኒ፧ ነፍስወከፍ እምኒ ንዝፈጸምክዮ ከቢድ ሓጥያት ዝውክል'ዩ። ብዙሕ'ኳ እንተጠንቀቕኩኺ፣ ሓንትን ናይ መወዳእታን ክብለኪ ዚደሊ ግን፡ እንደገና ከይትሓጥይ።” እታ ኣመንዝራ ሓጥያታ ዝተዋህለለ ኮይኑ ስለ ዚተራእያ፡ ከተንቀጥቕጥ ጀመረት። ንቤታ ብምምላስ ኸኣ ዚንዛሕ ንብዓት ሓቀኛ ጣዕሳ እናነብዐት ናብ ፈጣሪ ጸለየት። “ኦ ጎይታ፡ ካብዚ ክፉእ ህይወት መዓስ ኢኻ ብምሕረትካ ናጻ እተውጽኣኒ፧” ጸሎታ በጺሑ፡ ተሰሚዑ ነበረ።

 ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ መልኣኽ ሞት ናብ ገዝኣ ብምምጻእ ተሰኪምዋ ከደ። ብትእዛዝ ፈጣሪ፡ መልኣኹ ናብ መነኩሴ ብምኻድ ንዕኡ'ውን ወሰዶ። ናይታ ኣመንዝራ ወይ ፋይተት መንፈስ ትኽ ኢሉ ናብ ገነት ተነነ። ይኹን'ምበር እቲ መነኩሴ ብሳጥናኤል ተጸይሩ ናብ ገሃነም-እሳት ወረደ። እቲ መነኩሴ ነዚ ፍጻመ ብዝርኣየ በኸየ። “ኦ ጎይታ፡ ፍትሕኻ እዚ'ዩ፧ ህይወተይ ምሉእ ንጸሎትን ድኽነትን ወፍየ ኣብ ገሃነም-እሳት ኣለኹ። እታ ኣብ ኩሉ ህይወታ ኣብ ሓጥያት ተኣሊኻን ተዘፊቓን ዚነበረት ኣመንዝራ ግና ናብ ገነት ክብ ኣቢልካያ።”

 ነዚ ዚሰምዐ ሓደ ካብ መልኣኽቲ፣ ምስሉይነት ኩሉ ግዜ ቅኑዕ ይመስል። 'ፍቕሪ ፈጣሪ፡ ጽድቂ ንስኻ ንጎረቤትካ ብዝኸዶ ኣካይዳን ብእትሓስቦ ጠባይን ብምፍራድ'ዩ ዝመስለካ። እዚ ኮይኑ ልብኻ ብናይ ካልኦት ሓጥያት መሊእካ ኣራኺስካዮ ኢኻ። እዛ ሰበይቲ 'ዚኣ ለይትን መዓልትን ብንጹህ ልቢ ትጽሊ ኔይራ። ድሕሪ ምርጋፍ ኣይሂ ንብዓት መንፈሳ ኣዝዩ ፈኲስ'ዩ። ናብ መንግሰተ-ሰማይ ኸኣ ብቐሊል ክስከማ ክኢልና። መንፍስካ ግዳ ኣዝዩ ብከቢድ እምኒ'ዩ ተጸቒጡ፣ ንኸነልዕሎ ኸኣ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ።'

 “ኣይትፍረድ፡ ከይፍረደካ” 

 ካብዚ እንታይ ተማሂርካ፧

 ምንጪ - Paulocoelhoblog.com
- The Monk and the Prostitute
 ሃሳስ ትርጉም - ሚካኤል ገብረሂወት

                                                      MG[ኤምጂ]...

I BUILT MY SITE FOR FREE USING