ጸሓይ ከም ልማዳ ሰዓት ግዲኣ ኣኺሉ ንወርሒ ክተብርያ ዘደንጎየት ትመስል ንዒ በሊ ንስኺ ይዕርፊ ኣነ ክወፍር።ምስ ደበናታት ሰማይ ዉዕል ከም ዝኣተወት ብጎና ብዝተፈላለያ ሕብርታት ተዓጂባ ርግቢት ሰማይ ካብኣ ኣይንፍለን ኢና ዝብላ ክመስላ መግበን ከማእርርራ ካብ ሰፈረን ፈለቅ:ፈለቅ ዳበለ ክወጻ ጀመራ።ሰዓታት'ዉን እግሪ፡እግሮም ኣቢሉ ዳሰዓበ ከባቢ 12:15ድ/ቀ ኮነ።ኣሮን ከም ካልኣይ ስርሑ ዝሓዞ ኣዒንቲ ኣድያም ክርኢ ኣብቲ ኣብ ፊቶም ዝነበረ እንዳ ሻሂ ትሰርሕ ዝነበረት ኣዝያ ጽብቅቲ እያ።ንዓኣ ክርኢ ካብቲ ኣብ ፊቶም እቲ እንዳ ሻሂ ዝነበረ ዳጽርበት ዕንጸይቲ ሰሪሑ ወዲኡ ሻሂ ምስታዮ ወትሩ ናብቲ እንዳ ሻሂ እዮ ዝግስግስ።ኣብቲ ትካል ብዙሕ ግዜ ብምምላሱ ኣስመራ ወረ ኣሮን ኣብ ኣእዛኖም በጺሑ እዮ።ኣብ እዝኒ ኣድያም ግን ወይ'ከ ከም ደወል ቤትክርስትያን ክስማዕ ኣይከኣለን።ጓል ኣፍቂሩ ተባሂሉ ከም ንፉስ ተዘሪሉ ብዙሕ ብምምላሱ ኣብቶም ዓማዊል ገዲፉ ንብረት ናይቲ ትካል በጺሕዎ እዮ።ኣእዛን ኣድያም ግን እንተ ፈሊጠን እንተ ዳፈለጣ ክጽቅታ ወትሩ ምስ ኣጽቀጣ እየን።ኣቤት እዛ ፍቅሪ ትብሃል ብገንዘብ ትዕደግ ኣይኮነት።ሃብታማት ጥራሕ ዓዲጎም ንድኻታት ሕንሳስ ኣይምትረፎን ኔሮም።ኣሮን ንኣድያም ኣብ ግዜ ትምህርቲ ዓለም እዮ ዝፈልጣ ኔሩ።ዝኾነ ሰላምታ ግን ኣይነበሮሙን።ንዓ ክርኢ ኣብቲ ትዉዕለሉ ቦታ ከም ዓንዲ ጨዉ ተገቲሩ ኣስናና ስሓቅ ዓሲልወን፧ወትሩ ከም መብራህቲ ለይቲ ምስ ኣብርሃ እየን።ዘረብኡ ኮነ ሓሳቡ ኣድያም ጀሚሩ ኣብ ኣድያም እዮ ዝዉድእ።ኣሽንኳይ ንፍቅሪ ክሓታ ኣብ ፊታ ክቀርብ
ከም መብረቅ እዮ ዘንበድብድ።ካብ ንእስነቱ ዘጥረዮ
ሕፍረት ኣዒንቲ ሰብ ቅንዕ ኢሉ ከይጥምት ዝተኣገደ እዮ ዝመስል።ንደቃይቅ ዘይጽበየካ ግዜ ከም ተፈጥርኡ ሓሊፉ ኣብ ፊት፡ንፊት ክሰርሑ ጀመሩ።ፍቁሪ ኣሮን ከም ሕዱር ሕማም ወትሩ ምስ ኣሰቃየቶ እያ።ሕተታ ኣይሓታን እየ ትብል ዘረባ ወትሩ ምስኡ እየን።እዚ ፍቅሪ ክሓስም ንኩሉኻ ካብ ነጋዉስ ናብ ባርያታት እዮ ዝቅይረካ።መሬት ዓይኒ ሒዙ ናይ ለይቲ ምስ ኮነ ኣሮን ንፍርሓቱ ከወግድ ኣብታ ጸባብ ገዝኡ ናይ መድረኽ ተዋስኦ ጀመረ።"ኣድያም ኣብ ዓለም መቸም ኣምላኽ ሰብ ጌሩ ተፈጢርካ ንክተፍቅር ክትፍቀር እዮ።ዘሚድኩም ድማ ነዛ ዓለም ምልእዋ እዮ ዝብል።ስለዚ ኣ..ፍፍ..ቂረኪ ኣለኹ ተረድአለይ ካብ ልበይ እየ።ክኸስበኪ እየ ዝደሊ።እዋእ ኣይፍቅረካንየ ኣይደሊካን ተበለትኒ'ከ?።"ሕቶ ኣልዒሉ ባዕሉ እዮ ዝምልሶም።"አሞ ከምዚ ኢለ ክሳዕ ምዓስ አየ ክነብር።"ኣብ መንደቅ ናይ ትሰርሓሉ ከም ታቢላ ተለጢፈ ድኣ ሓወልቲ ድየ ክቅየር።ምስ ነብሱ ዝጀመሮ መጎተ ኣብ ሃዋሁ ባእስ ከይኣቱ ሰግአ።ሓታትን፡መላስን ኮይኑ ንሓሳቡ ከም ገዛ ክሃንጾ፡ከፍርሶ ጀመረ።ሙሉአ ለይቲ ክለማመድ መሬት ከም ከብዲ ኣድጊ ወግሐ።ንእሽቶይ ኣዕሪፉ ድማ ካብ ስራሕ ምስ ተፈደሰት ንክረኽባ ክዳዉንቱ ወድዮ ዘይቲ ተቀባቢኡ ትብዓት
ካብ ዉሽጡ ዳጋማድሐ ናብቲ ትሰርሓሉ ቦታ ክጽበያ ሓፍ ኮፍ፡የማን ጸጋም ከመይ ኢሉ ደዉ ክብል ምስ ነብሱ ኮነ ሓሳቡ።በየን ትመጽአ ትኸዉን እዋእ እሳ ድኣ ከመይ ኢላ ክትመጽአ ኣነ'ዶ ኣይኮንኩን ደለያ ዘለኹ።ፍርሒ እንታይ ደየዛርብ ሓንሳብ ኣልበርት ኣንስታይን፡ሓንሳብ ሽኪስፒር ይገብረካ ታሪኽ ከም ዘለካ ትፈላሰፍ።ሰዓታት ከይዱ ኣድያም ወይከ ዘይከምቲ ዝተጸበዮ።ኣዲኻ ዝበለቶ ዘይኮነ ዕዳጋ ከም ዝጸንሓካ ድዮ ዝብሃል።ኣድያም ዘይምምጽኣ ነታ ካብ ዉሽጢ እቲ ትካል ትወጽእ ዝነበረት ወይተር "እዛ ምሳኹም ትሰርሕ ወይተር።ማለተይ ኣድያም ሎሚ ኣይመጸትን ድያ?።"
መልሳ ክጸበ ቅንዕ እንዳበለ።"ኣሃሃ!!ኣድያም እወ ንሰሙን ዝኸዉን ዕረፍቲ ሓቲታ ኣላ።ዕረፍታ ምስ ወደአት ሶኑይ ምጻያ።"በለቶ ኩነታቱ ዘጠራጠራ ኣይነበረን።ንኣድያም ከም ዘፍቅራ ኣዕዋፍ ሰማይ እዉን ይፈልጣ አየን።ርኡሱ እንዳሓኸኸ ክኣ ንገዝኡ መረሸ።አቲ ንሽዑ መዓልቲ ዝወሰዶ ዕረፍቲ ንጽባሓይቱ ክሰርሖ ሙኻኑ አዮ ኣፍቂዱ ዘዕረፈ።ካብ ክልቲኡ ግን ክዕወት ኣይከኣለን።ሰሙን ዓመታት ኮንኦ።ሰሙን ሙሉእ መጽያ'ዶ አንዳቀለ ብኣኣ ክሓስብ መሬት ኣዉጊሑ እዮ ዘጸልምታ።ሰሙን ልክዕ ከም ደበና በኒኑ ሓለፉ ሶኑይ ኮነ።ኣድያም ዕረፍታ ወዲኣ ትመጽአ እያ ብምባል ሓሰበ።ካብ ስራሕ ተፈዲሱ ተሓጻጺቡ፡ተኸዳዲኑ ናብቲ ትሰርሓሉ ካፍተርያ ገስገሰ።ግን ዘይከምቲ ተጸበዮ እቲ ትካል ብእዋኑ ሓንቲ ካብተን ኣብኡ ዝሰርሓ ነጸላ ተኸዲና ክትዓጽዎ ኣብ ፊት፡ንፊት
ተራኸቡ።"ሰላም እዛ ሓብተይ ኣድያም ድኣ ሎሚ ኣይመጸትን ዲያ።እንታይ'ከ ድኣ ስራሕ የለን ድዮ ሎሚ።"ምናልባት ሰራሕ ዘየለ ከይከዉን ንከረጋግጽ ሓተታ።እታ ስራሕቲና ጓል ግን ቅድሚ ምዝራባ ንብዓት ኣቀደመት።"እዋእ..እ..እንታይ ድኣ ዘጋዘመ ኣሎ ድዮ ።ድሓን ዲኺ ንምንታይ ከ ትነብዒ ኣለኺ?።" "ኽኽ..ኽ ኣድ..ኣድያም ንሰሙን ዝወሰደቶ ዕረፍቲ ዓኽኽ..ኽ ህይወት ዕረ ስለ ዝጠዓማ ክምዕር ዝሓሰበቶ ስለ ዝዓርዓራ ጩራ ኣብ ዘይብሉ ህይወት ብምባል ነብሳ ኣ.ኣጥፊ..ኣ።ነብሳ ንሞት ፈሪዳታ።ንብዓታ ምኽኣል ኣቢዋ ንኣሮን መርድእ ነጊራ ተበቆሰት።ወየ ኣሮን ኣብ ህይወት ሕልምን፡ጋህድን ተቀርቂሩ ስሓቅ ብምጅማር ናብ ንብዓት ብምቅያር ሰማይ ተሰባቢሩ ከም ዝሃርሞ ዘሎ ርእሱ ዳዞሮ ኣብታ ዝነበራ ቦታ ብምዉዳቅ ገዛዉቲ ክሳብ ዘናዉጽ ብዓዉያት ደርግሖ።ዘዝመጸ ዘእብዶ ተሳአነ።ኣብ ሰከንድታት ዓለም ከም ኣፍ መርፍአ ክትጸቦ ተሰምዖ።ኣብ ሓዳስ ዓለም ድማ ኣተወ።ከም ጽጋቢኛ ኣድጊ ኣብ ሓመድ ኣንገርገረ።ካብ ግዜ ንአስነቱ ዘፍቅራ ኣድያም ሞት ከም ሰራቂ መጽዮ ቀዲምዎ።ብዙሕ ብምንግርጋር ዘልሓጥ ኢሉ ጸጥ በለ።ሃለዋቱ ምስ ኣጥፍአ ተሓጋጊዞም ንሆስፒታል ሓሊበት ወሰድዎ።ድሕሪ ሰዓታት ሃለዋቱ ፈሊጡ ምስ ተስአ ኣዒንቱ ቋሕ ኣበለን ኣብ ፊቱ ዝነበረት ዶክተር ጥዕንኡ ክትሓቶ ናብኡ ምስ ቀረበት"ኣድያመይ..ኣድያም ኣቤላ መን'ከ ናብዚ ኣምጺኒ ኣድያመይ ትጽበየኒ ኣላ ክኸይድ ከም ዘፍቅራ ክነግራ።"ኣሮን ካልአይቲ ዓለም ፈጠረ።ኣይጽሉል ኣይጡዕይ ኮነ ኣዒንቱ ናብ ሓደ ምስ ኣቋመታ ናብ ካልአ ኣይርአያን እየን።ኣድያም ትብል ቃል እዮ ዘዉጽእ።ኩነታቱ ደስ ዘይበላ ነታ ነርስ ኣቡኡ ክድቅስ ክሳብ ዝሕሾ ጋዉን ናይ ሕሙማትን፡መድሃኒትን ክትህቦ ነጊራታ ናብ ካልኦት ሕሙማን ከደት።ነዚ ዝተነግራ ነርስ ንኣሮን ኣብቲ ክፍሊ ገዲፋ ዝተባህላ ክተምጽአ ከደት።ኩሉ ዘድሊ ዘበለ ሒዛ ምስ ተመልሰት ግን ኣሮን ኣብቲ ክፍሊ ኣይጸንሓን።ኣብ ሆስፒታል ክትደልዮ ጀመረት።ወየ ኣሮን ንኽድቅስ ምስ ሰምዕ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሖ ካባ ናይ ሰብኣይ ተኸዲኑ ካብቲ ሆስፒታል ሃደመ።
ክወጽአ ከሎ ዝረኣዮ ሰብ ተሳአነ።ሓቀኛ ፍቅሪ ንነብስኻ ተቆጻጺሩ ጽጽሉል እዮ ዝቅይረካ።ማእከል ኣስመራ ጎያ ተታሕዞ ገጹ ምስቲ ናይ ሓመድ ከይትሓጽበ ምህዳሙ ምስቲ ብዉሽጢ ወዲዎ ዝነበረ ክዳን ዶሮና ከሉ ሰብ ጽሉል መጽዮ እንዳበሉ ዓበይቶም፡ህጻዉንቶም ካብኡ ክሃድሙ ጀመሩ።እቶም ዝፈልጥዎ ኣዝዮም ደንገጹን፡ተገረሙን።ኣዴታት ኣምላኽ ምሕረት ክህቦ ንፈጣሪአን ለመና።ንብዙሕ
ብምጉያይ ኣብ ቤት ክርስትያን እንዳ ማርያም በጽሐ።
ናብቲ መቃብራት ብምኽያድ በዒንቱ ምስ ኣዞረ ኣድያም መብራህቱ ትብል ምስ ኣንበበ ዳግማይ ኣዉያት ብግባር ንምንታይ ንበይኑ ከም ዝገደፈቶ ደጋጊሙ ኣብ መቃብራ ብምዉዳቅ ይሓታ መልሲ ግን ወይ'ከ።ካብ ሽዑ ግዜ ጀሚሩ መዉዓሊኡ መሕደሪኡ ኣቡቲ መቃብር ኮነ።ንትንፋስ ኣድያም ኣብ ሓንጎሉ ብምቅራጽ ወትሩ ይናገራ ትምልሰሉ የዕልላ ኮነ።ነዚ ዝረኣዮ ከሃናት ናይቲ ቤትክርስትያን ንዕዖም ዝመጸ መግደፍ ማለት ማይን፡እኽልን ንዕኡ ክህብዎ ጀመሩ።
ኣብ ሙሉአ ኣስመራ ኣሮን ከም ጽሉል ተሰመየ።ንበይኑ ኮይኑ"ኣድያመይ ጠሚኺ ዲኺ መግቢ ከምጻልኪ ሕራይ ኣብቲ ከተማ ወሪደ ለሚነ ከምጻልኪ አየ።ሽዑ ተመሊሰ ከዕልለኪ አየ።"በቃ ዘረብኡ ምስ መንፈስ ኣድያም ኮነ።ኣብቲ መቃብር ዝቀረበ ወይ ዝተንከፈ ጸላኢኡ እዮ ዝቆጽሮ።ተሲኡ ክልምን ንከተማ ገጹ ወረደ።ወዝቢ ጽርግያ ክሳገር ኣብ ፊቱ ዝነበረት መኪና ኣተዋ።ግን ጨሊፉቶ ብምሕላፍ ደዉ በለት።ኣሮን ኣብ መሬት ወደቀ እታ ዝጨለፈቶ ጓል እያ ኔራ።"ኣቱም ርዱኡኒ..ርዱእኒ።"በለት ብዓዉታ ህዝቢ ኣስመራ ክሕግዛ ቅርብ ምስ በሉ ኣሮን "በጃኺ..በጃኺ ሆስፒታል ኣይትዉሰድኒ።ኣብኡ ክኣስሩኒ አዮም።"ኣብ መሬት ወዲቁ ዝናገሮ ዝነበረ ቃላት እዮ።በዚ ዝደንገጸት ህራም ስለ ዘይነበሮ ንገዝኣ ወሰደቶ።ኣሮን ኣብቲ ገዛ ንብዙሕ ሰዓታት ብምድቃስ ኣዒንቱ ከፈተን።ኣብ ሓደ ኣዝዮ ዓቢ ገዛ ብዝተፈላለየ መንጸባርቃት ወቂቡ ረኣየ።ኣብ ብስንባደ ተስአ እንታይ ከም ዝኾነ ዘይተረድኦ ኣሮን ኣብ ጣዉላ ተቀሪቡ ዝጸንሖ እንጀራ ጥሚት ስለ ዝነበሮ ተሲኡ ከይተወላወለ ኣብ ምብላዕ ኣተወ።ጸጊቡ ንኣድያም ብምባል ኣብ ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሖ ፌስታል ብምግምጣል ሒዝላ ክኸይድ።ኣብ ኣፍ ደገ ናይቲ ማዕጾ ኣብ ፊቱ ኣዝያ ጽብቅቲ ጓል ሓጺር ጓና ኣብ ሰለፉ ዝበጽሕ ወድያ ብዉቃበ ተገቲራ ጸንሓቶ ።ኣዒንቱ ፈጢጠን ክወጻ ደለያ ህርመታት ልቡ ክውስኽ ተሰምዖ።"ኣሮነይ!!ብህይወት ኣለኻ ይቅረ ግበረለይ በዲለካየ።"ኣዒንቲ ኣሮን ምአማነን ሰኣነ መንፈስ ኣድያም ዘይኮነ ስጋ ኣድያም እዮ ንነብሱ ተንከፎ።ነገራት ክሸናኸሮ ጀመረ።"ኣድያም!!።"ትብሎ ቃል ኣሙለቀ።"ኣብ እግሩ ብምዉዳቅ"ኣሮነይ!!ኣሮነይ እወ ኣነ ሓቀኛ ኣድያምካ እየ።ኩሉ እቲ ታሪኽ ሎሚ ሓቅነቱ ክነግረካ እየ።ጽን ኢልካ ስምዓኒ።"ኣሮን ከም ዓንዲ ጨዉ ደንዚዙ ተረፈ።"በየን ከመይ ኢለ ከም ዝጅምረልካ ጠፊኡኒ ግን ንሕና ሰባት ፈተነ ዝሓሰብናዮ ኣብ ዓቢ መዋጥር ንኣቱ ኢና።እህህህ...ኽኽኽ ከምቲ ንስኻ ተፍቅረኒ ዝነበርካ ኣነ'ዉን የፍቅረካየ ኔረ።ከምቲ ትፈልጦ ካብ ግዜ ንእስነተይ ናተይ ክትከዉን አየ ዝብህግ ኔረ።ግን ግዜ ዘይተጸባይይ በሰንኪ ሕፍረትና ከይተነጋገርና ኣሊፎ።ድሓር ግን ስድራይ ቅድሚ ሙማቶም ዘዉረሱኒ ገንዘብ ኮነ ሃብቲ ገዲፎሙለይ ሓለፉ።ሽዑ ድሕሪ ግዜ ኣብቲ ትሰርሓሉ ኣጻርየ ብዙሕ ብምሕሳብ ንኣዒንትኻ ክርኢ ኣብታ ኩሉ ግዜ ትመገበላ ዝነበርካ ካፍተርያ ወይተር ዘይኮንኩ ወናኒ ናይቲ ትካል እየ ኔረ።መታን ንገንዘብ ኢልካ ከይትኣትወኒ ብምስጋእ ንስኻ ኣብ ትመጻሉ ስዓት ብምርኣይ ፈሊጠ ከም ወይተር ተቆጺረ ክሰርሕ ጀመርኩ።ንስኻ ድማ ከም ወይተር ኢኻ ትሓስበኒ ኔርካ።ግን ስምዒተይ ክትርዳእ ኣይከኣልካን ምምላስካ ናብኡ ተስፋ ሃበኒ ግን ረብሓ ዘይብሉ ኮነ።ኣነ ከይደፍር ነገር ጓል ሄዋን ኮይንኒ፡ንስኻ ድማ ሕፍረት ኮነ ፍርሒ ኣሰኒፍካ።ኣኽኽኽ..ኽኽ ሽዑ ኩሉ ሙኻን ምስኣበየኒ ተዋስኦ ክሰርሕ ፈተንኩ መታን ፍቅርኻ ክርኢ ኢለ።ንሰሙን ብምጥፉአ ድሓር በታ ኣብኡ ዝረኸብካያ ወይተር ከም ዝሞትኩ ክትነግረካ ተማኺርና።እዚ ግን ኮነ ኢልካ ከሕመካ ኣይሓሰብኩን ኣሮነይ።ሽዑ ምስ ወደቅካ ሰባት ተሰኪሞም ከም ዝወሰድኻ ነገረትኒ።ብስንባደ ናብቲ ዝነበርካዮ ሆስፒታል ምስ ከድኩ ከምዝሃደምካ ሓበሩኒ።ካብ ሽዑ እየ ክሳብ ሕጂ ክደሊካ ኣስመራ ድዘርክዋ ኣብዚ ኣሎ በዚ ከይዱ ጥራሕ ኮይኑ ዘረባ።ሽዑ ኣብ እንዳ ማርያም ምህላዉካ ምስ ነገሩኒ ከረኽበካ ፊጣሪ ጥዑም እንኳዕ ሞት ኮይኑ ኣይመጸ ብሓደጋ ኣራኺብና።ስለዚ እዚ እዮ እቲ ሓቂ ኣሮነይ ክሳብ ክንድዚ ትኸዉን ኣይሓሰብኩን።ግን ሓቀኛ ፍቅርኻ ብልቢ ኣርኢኻኒ።ስለዚ ዝደለኻዮ ቅጽዓኒ።"በለቶ ታሪኻ ብምንጋር።ኣሮን ብንብዓት ተሓጽበ።ለካ እቲ ኣብ መቃብሮ ዝነበረ ስም ኣድያም መብራህቱ ዘይኮነ ሳሮን መብራህቱ እዮ ኔሩ።ብሓንጎሉ ዝቀረጾ ፈጠራ እዮ ኔሩ።ካብ መሬት ሓፍ ብምባል ጸፍዓ።ኣድያም ምዕጉርታ ሓዘት ብርእሳ ብምሓዝ ክኣ "ፍቅሪ መስዋእቲ እዮ ዝሓትት ግቡአይ ክኣ ጌረ።"ከምቲ ኣብርሃም ኣፍወርቂ ዝበሎ ፍቅሪ ሓጥያት ተኾይኑ ክጸድቅ ዘይደሊ ዝበሎ።ፍቅሪ ጽላለ ተኾይኑ ድማ ክጥዕይ ኣይደልን። ኣሮን ሽዑ እዮ ኣእምርኡ ናብ ንቡር ክምለስ ዝጀመረ። ሓንጎል ናብ ንቡር ክምለስ ተኾይኑ ምዝኽኻር እዮ ዘድልዮ ብዛዕባ ሕሉፍ።ድሕር'ዚ ናብ ገጹ ብምቅራብ ድማ ኣጥቢቁ ኣብ ከናፍራ ሰዓመ።ንሳ'ዉን ብፍስሃ ዝዓሰሎ መንፈስ ኣትሪራ ሰዓመቶ።
ተፈጸመ!!!!