ጨኒቕዎ በቃ ሓርቢታቶ
እዛ ሳንቲም ጻዕዳ ርሒቓቶ
በቲ ተበለ የለ
በቲ እንተበለ ነይተካእለ፡
የእጋሩ ረብሪቡ
ጥሜት'ውን ተደሪቡ
ናብ ቀጽሪ ቤተክርስትያን
ኣትዩ ተዓቊቡ።
ይልምን ንኣምላኹ
ድምጹ ኣበሪኹ
"ደቀይ ተጣሪዕም
ዝሕየኽ ስኢኖም
ኣምሲሕካ ኣይትጥለሞም
ድራርውን ዘክሮም"
ነዚኣ ይደጋግማ
ብውሽጡ የዚማ።
ጸሎቱ የዕሪጉ
እንዳወጸ ከሎ
ውዳቕ መንዲል
ኣብ እግሩ ጎፍ በሎ።
የማነ ጸጋም ጠሚቱ
ኣልዒሉ ኣንበረን
ኣብዛ ጃኼቱ ።
ኣብ ጽምዋ ከይዱ
ነታ መንዲል ከፈታ
ልቡ ዲግ ዲግ በለት
ወሲኻ ህርመታ፡
ገንዘብ ጸኒሕወን
ንወርሒ ዘሸምታ
የዒንቱ ተከፍታ
ፈነወ ፍሽኽታ፡
ናይ ሰብ ምኳነን
ስለዝገምገመ
ንከይመልሰን ድማ
ስለዝተጸገመ፡
ተመልሰ ናብ ፈጣሪ
ክድምስስ ሓጥያቱ
ድፍእ ፍግም
ኢሉ ኣብዛ መሬቱ፡
"ኦ…… ኣምላኸይ ሰሚዕካዮ
ኢኻ ጸሎተይ
ነጊረካየ ናይ ውሽጠይ፡
ኦ ………ኣምላኸይ
ኣብ ፈተና ኣይተእትወኒ
ኢለ እንዳጸለኹ
ኣብ ፈተና የእቲካኒ
ብኸብዲ ደቀይ ፈቲንካኒ
ኣብ ቀጽርኻ ፈቲንካኒ
ሰብ'የ ከምቲ ትፈልጠኒ።
ምርጫ' ስኢነ
ሕጂ ክወስደን'የ
ምስ ረኸብኩ ግና
መጽየ ክመልሰንየ
ንስኻ ትፈልጠኒ
ዘይናተይ ኣይደልንየ"
ነተን ዝወደቐን
ንሎሚ መልኣለን
ኣነ ረኺበዮ እምበር
ካልእ'ሲ ምመለሰለን"።
ኢሉ ብድድ በለ
ሕርኽርኽ እንዳበሎ
ኣብ ሓጥያት ምእታዉ
ይፍለጦ"ኮሎ።
ብድድ ኢሉ ከደ ናብ ቤቱ
ክፈትሕ ጸገም ስድራ ቤቱ።
ግጥሚ፡- ኣኽሊሉ ተስፋጽዮን
04/06/ 2018
ኣስመራ