ኣየ ሰብ!! ኣይንበል


 ኣየ ሰብ !!  ኣይንበል ፡ባዕልና ሰብ
ኩሉ ናይ ሰብ ፡ኣብ ነብስና ይርከብ
 ኣሎ ድዩ ሰብ ፧ ሰብ እንከሎ ዘይሰብ፧

 ሰብ ንሰብ ጣዕሙ፡ ሰብ ንሰብ ሕማሙ
ሰብ ንሰብ ዓለሙ ፡ ሰብ ንሰብ ጸገሙ
ሰብ ንሰብ መሓሪ ፡ ሰብ ንሰብ ኣሳሪ
 ሰብ ንሰብ ኣክባሪ፡  ሰብ ንሰብ ኣሕሳሪ

 ሰብ መጸበቒ ፡ ሰብ መጠቀሪ
ሰብ መሃሪ ፡ ሰብ መዶንቆሪ
ሰብ መኽሰብ ፡ ሰብ መኽሰር
 ሰብ ቅኑዕ       ፡ ሰብ ኣበር

 ተ 'ተሓመኻ ብሰብ ፡ ተሓመኻ ንሰብ
ተ 'ተጠለምካ ብሰብ ፡ ተጠለምካ ንሰብ
ተ' ተሓጎስካ ብሰብ ፡ ተሐጎስካ ንሰብ
ተ 'ነባዕካ ብሰብ ፡ ተንባዕካ ንሰብ
 ተ 'ተጸላእካ ብሰብ  ፡ ተጸላእካ ንሰብ፡

 ካብዚ ወጻኢ ኣሎ ድዩ ሰብ ፧
ብዘይ ጎደሎ መሊኡ ዝሕሰብ
ኣሎ ድዩ ሰብ ፧ንሰብ ዘይመስል፧
 ሓንቲ ከየጉደለ ክነብር ዝኽእል።

 ቀደሙ'ውን ፈጣሪ ፡ እዚ ኣስተብሂሉ
ተበዲልካ 'ተናሳሕ' ፡ ኢሉ ኣፍቂዱሉ
እምበር ከምዘይጋገ ፡ ሙሉእ ተዝፈጥሮ
 ንስሐ ኣይምሃለወን ፡ ሓጥያት ኣብ ዘይሰፍሮ።

 ኣኽሊሉ ተስፋጽዮን
16/09/2018
 ኣስመራ።

I BUILT MY SITE FOR FREE USING