ኣየ ሰብ !! ኣይንበል ፡ባዕልና ሰብ
ኩሉ ናይ ሰብ ፡ኣብ ነብስና ይርከብ
ኣሎ ድዩ ሰብ ፧ ሰብ እንከሎ ዘይሰብ፧
ሰብ ንሰብ ጣዕሙ፡ ሰብ ንሰብ ሕማሙ
ሰብ ንሰብ ዓለሙ ፡ ሰብ ንሰብ ጸገሙ
ሰብ ንሰብ መሓሪ ፡ ሰብ ንሰብ ኣሳሪ
ሰብ ንሰብ ኣክባሪ፡ ሰብ ንሰብ ኣሕሳሪ
ሰብ መጸበቒ ፡ ሰብ መጠቀሪ
ሰብ መሃሪ ፡ ሰብ መዶንቆሪ
ሰብ መኽሰብ ፡ ሰብ መኽሰር
ሰብ ቅኑዕ ፡ ሰብ ኣበር
ተ 'ተሓመኻ ብሰብ ፡ ተሓመኻ ንሰብ
ተ 'ተጠለምካ ብሰብ ፡ ተጠለምካ ንሰብ
ተ' ተሓጎስካ ብሰብ ፡ ተሐጎስካ ንሰብ
ተ 'ነባዕካ ብሰብ ፡ ተንባዕካ ንሰብ
ተ 'ተጸላእካ ብሰብ ፡ ተጸላእካ ንሰብ፡
ካብዚ ወጻኢ ኣሎ ድዩ ሰብ ፧
ብዘይ ጎደሎ መሊኡ ዝሕሰብ
ኣሎ ድዩ ሰብ ፧ንሰብ ዘይመስል፧
ሓንቲ ከየጉደለ ክነብር ዝኽእል።
ቀደሙ'ውን ፈጣሪ ፡ እዚ ኣስተብሂሉ
ተበዲልካ 'ተናሳሕ' ፡ ኢሉ ኣፍቂዱሉ
እምበር ከምዘይጋገ ፡ ሙሉእ ተዝፈጥሮ
ንስሐ ኣይምሃለወን ፡ ሓጥያት ኣብ ዘይሰፍሮ።
ኣኽሊሉ ተስፋጽዮን
16/09/2018
ኣስመራ።