ክድውለልኪ'የ ማማ


 ገና ንገና"የ  ክድውል  ክሓስብ
ኣእሙሮይ ከም ዑንቂ ዝጸብብ
ዝሓዞ ስለዘይብሉ እቲ ለዋህ ከብደይ
እናደወልኩ"ዩ ዘንቀጥቅጥ የእዳወይ፡
ከም ሻሙ ግን ይድውል "ማማየ"ይብለኪ
"ወደየ " ትብልኒ ደሃየይ ሰሚዕኪ
ዝብሎ ይጠፍኣኒ "ከመይ ኣለኹም "ይብለኪ
"ጽቡቕ ኣለና" ትብልኒ ኩሉ ኣብ ከብድኺ፡
ደመወዝ ኣቦይ ይፈልጠን"የ ማማ
ብዘይ ሓገዝ ወርሒ ከምዘይቖማ
ይፈልጦ"የ ናብራና ዝኽወለኒ የለን
ከየርህወሉ ድማ ዝተረኽበ የለን
ዝብሎ ይጠፍኣኒ እንታይ ከዕልል
ብተስፋ የንብረኪ ብቃላት የቑጸልጽል
እንቋዕ ኣይትርእይኒ ቻው ምስ በልኩኺ
ተንፈቕፊቐ ዝነብዖ ስለ ዘይወተፍኩልኪ፡
ማማ ካባኺ"የ ሰሚዐዮ እቲ ዝንገር
"ሰብ ብእንጀራ ኣይኮነን ብተስፋ"ዩ ዝናበር"።
ስለዚ'የ ዝድውለልኪ ዘለኒ ዘይብለይ
ተስፋ ምሃብ ስለዝመሃርኪ"ዮ ልበይ
ክድውለልኪ'የ ማማ የዒንተይ ዓሚተ
 ድምጸይ ይዓብየኪ ካብ ዝብላዕ ዝስተ።

 ኣኽሊሉ ተስፋጽዮን
©27/03/2019
 ኣስመራ።

I BUILT MY SITE FOR FREE USING