30/04/2019 - Roma
ወዲ 24 ዕድመ'የ ብሃንደበት ንጓል 19 ዕድመ ኣፍቂረ። ንክምርዓዋ'ውን ወሲነ። ተመርዒና ጽቡቅ ሓዳር ጀሚርና ድሮ'ውን ሓደ ረኢኻን ስዒምካን ዘይጽገብ ቆልዓ ወሊድና ።ሓደ እሙን ዓርከይ "ብድሕረይ ሰብኣይ ከምዝተወሸመት" ሓበረኒ ። ኣነ ግና ክኣምኖን ኪኽሕዶን ኣይመረጽኩን ባዕለይ ከይራኣክዋ ወይ'ከ ኣቅበጽኩ። ድሕሪ ቁሩብ ምስላይ እቲ ብወረ ዝሰማዕክዎ ኣብ ዓይነይ ኣጋጢሙኒ። ናይ ቀደም ዓርካ ከም ዝነበረ'ውን ኣረጋጊጸ። ሕጂ ከይፈትሓ እቲ ሽኮር ወደይን "እቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞ ሰብ ኣይፍለዮ " ዝብል ምስጢር ቃል ኪዳንን ጾር ከቢዱኒ። ምስኣ ከይቅጽል ክኣ ብዓይነይ ዝርኣኽዎ ፍጻሜ ኣብ ሓንጎለይ ሰፊሩ ለይትን ቀትርን ኣሳቅዩኒ ።ንዝመጽእ ግዜ'ውን ምስ ክብረ-ንጽሕናኣ ንዘየላ ክምርዖ ክሓስብ ከምዘይብለይ ንኣእሙሮይ የእሚነዮ እሞ: እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ምኽርኹም ኪትልጉስለይ ብትሕትና ይሓትት ።ንስለ ምኽርኹም ኣዝየ የመስግን!! ካብ ሓውኹም ፊሊ: ምኽርኹም ብምልክዕ መልእኽቲ ኣብቲ ናይ ኣድራሻ ፎርም መሊእኩም ኪትሰዱለይ ትኸእሉ
ወዲ 24 ዕድመ'የ ብሃንደበት ንጓል 19 ዕድመ ኣፍቂረ። ንክምርዓዋ'ውን ወሲነ። ተመርዒና ጽቡቅ ሓዳር ጀሚርና ድሮ'ውን ሓደ ረኢኻን ስዒምካን ዘይጽገብ ቆልዓ ወሊድና ።ሓደ እሙን ዓርከይ "ብድሕረይ ሰብኣይ ከምዝተወሸመት" ሓበረኒ ። ኣነ ግና ክኣምኖን ኪኽሕዶን ኣይመረጽኩን ባዕለይ ከይራኣክዋ ወይ'ከ ኣቅበጽኩ። ድሕሪ ቁሩብ ምስላይ እቲ ብወረ ዝሰማዕክዎ ኣብ ዓይነይ ኣጋጢሙኒ። ናይ ቀደም ዓርካ ከም ዝነበረ'ውን ኣረጋጊጸ። ሕጂ ከይፈትሓ እቲ ሽኮር ወደይን "እቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞ ሰብ ኣይፍለዮ " ዝብል ምስጢር ቃል ኪዳንን ጾር ከቢዱኒ። ምስኣ ከይቅጽል ክኣ ብዓይነይ ዝርኣኽዎ ፍጻሜ ኣብ ሓንጎለይ ሰፊሩ ለይትን ቀትርን ኣሳቅዩኒ ።ንዝመጽእ ግዜ'ውን ምስ ክብረ-ንጽሕናኣ ንዘየላ ክምርዖ ክሓስብ ከምዘይብለይ ንኣእሙሮይ የእሚነዮ እሞ: እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ምኽርኹም ኪትልጉስለይ ብትሕትና ይሓትት ።ንስለ ምኽርኹም ኣዝየ የመስግን!!
ወግዒ ቡን ናፊቐዮ